ሕጊ ሙራድ ብትግርኛ / Murad Code in Tigrigna

ኣብ ረቂቕ ሕጊ ሙራድ መሰረት ጌሩ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ምይይጥ ዝተረኸበ መተካእታ ዘይብሉ ፣ ሰፋሕቲ እታዎታትን ለበዋታትን ስዒቡ፣ ጽዑቕ መስርሕ ገምጋምን ምምሕያሻትን ብምግባር ተዛዚሙ ኣሎ። እዚ መስርሕ ምምሕያሽ ፣ ግዳያትን ካልኦት ክኢላታትን ኣብ ጽሑፋዊ ገምጋምን ዓውደ መጽናዕትን ኣብ ምምሕያሽ እቲ ረቂቕ ኣሳቲፍ እዩ። እዚ ድማ ካብ ብ 05 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም ዝተለቐቐ ሕጊ ሙራድ፤‘ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝኽእል’ ስሪት ኣፍርዩ እዩ።

እቲ ናይ ሰነ 2012 ዓ/ም ረቂቕ ሕጊ ሙራድ (ብትግርኛ ግን ኣይኮነን) ምስ መጠቓለሊ ግብረ መልሲ (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ከምኡ’ውን ካብ ሰነ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ዝተቐበልናዬ ምሉእ ምትእኽኻብ ግብረ መልሲ (ብእንግሊዝኛ ጥራይ) ክሳብ ሕዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። 

ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝኽእል ሕጊ ሙራድ ብእንግሊዝኛ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ (ብልሓታዊን ምስ ጎንጺ ዝተኣሳሰረ ጾታዊ ጥቕዓት ዝምልከት ሓበሬታ ንምእካብን ኣብ ጥቕሚ ንምውዓልን ዘገልግል ዓለምለኸ ሕጊ ስነ-ምግባር) ። እቲ ሕጊ ብዛዕባ ብልሓታዊን ምስ ጎንጺ ዝተኣሳሰር ጾታዊ ጥቕዓት (SCRSV) ዉሑስ፣ ውጽኢታዉን ስነ-ምግባር ዝሓለወ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ ዝምልከት መሰረታዊ መለክዕታት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ንምርግጋጽ በብእዋኑ ዝግምገም ህያው ሰነድ እዩ።

ምሉእ ሕጉ ብትግርኛ የውርዱ

PDF የውርዱ  Word የውርዱ